59 ስም ሰበይቲ እንበረም ዮካብድ ነበረ። ንሳ ኣብ ግብፂ ዝተወልደት ጓል ሌዊ እያ። ንእንበረም ድማ ኣሮንን ሙሴን ማርያም ሓፍቶምን ወለደትሉ።
ነቢይት ማርያም ሓፍቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተልዓለት፤ ኵለን ኣንስቲ ድማ ኸበሮ ሒዘን ብስዕስዒት ደድሕሪኣ ወፃ።
ሓፍቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ ርሕቕ ኢላ ደው በለት።
እንበረም ከዓ ንዮካብድ ጓል ሓው ኣቦኡ፥ ሰበይቲ ኽትኮኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። እንበረም ብህይወት ዝነበረሉ ዘመን ሚእትን ሰላሳን ሸውዓተን ዓመት እዩ።
ሕፍረት ሓፍቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፤ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ።
ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረሞ፥ ማርያምን ኣሮንን፥ ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጲያዊት ሰበይቲ፥ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።
ኵሎም ማሕበር ደቂ እስራኤል ከዓ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ ምድረ በዳ ፂን ኣተዉ፤ ኣብ ቃዴስ ድማ ፀንሑ። ማርያም ከዓ ኣብኡ ሞተት፤ ኣብኡውን ተቐበረት።