55 እታ ምድሪ ግና ዕፃ ብምውዳቕ ትመቐል። ነፍሲ ወከፍ ድማ ኸከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይውረስዋ።
ዕፃ ኣብ ሕቝፊ ይወድቕ፤ ኵሉ መደባ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ዕፃ ንባእሲ ይከላኸል፤ ኣብ ማእኸል ሓያላትውን ይብይን።
ክኸውን ድማ እዩ፥ ንኣኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእኸልኩም ዝነብሩ፥ ኣብ ማእኸልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖትን፥ ርስቲ ጌርኩም ብዕፃ ምቐልዋ፤ ንሳቶም ኣብ ማእኸል ደቂ እስራኤል፥ ከም ደቂ ዓድኹም ክኾኑልኩም እዮም፤ ርስቲ ኽርስተዩ እዮም።
ኵሉ ርስቲ፥ ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓት ኮነ እቶም ውሑዳት ዕፃ ብምውዳቕ ይመቐል።”
ነታ ምድሪ በብዓሌትኩም ብዕፃ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፤ ነቶም ውሑዳት ድማ ፀቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ እታ ዕፃኡ ዝበፅሐቶ ርስቱ ትኸውን፤ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ውረሱ።”
ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።
“እግዚኣብሄር ነታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ብዕፃ ኽትህቦም ኣዘዘካ። ከምኡውን ንርስቲ ሰለጵአድ ሓውና፥ ነጓላቱ ኽትህበን ኣዘዘካ።
ዕፃ ድማ ኣውደቑሎም፤ እታ ዕፃ፥ ከዓ ንማትያስ በፅሐት፤ ምስቶም ዓሰርተ ሓደ ሃዋርያትውን ተቘፀረ።
በቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን፥ ብብርሃን ክንሳተፍ ዘብቅዐና ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ክተመስግኑ ንፅሊ ኣለና።
ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም።
ደቂ ዮሴፍ ድማ ንኢያሱ “ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ እንኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዙይ ባሪኹና እንተሎስ፥ ስለ ምንታይ ኢኻ ሓደ ዕፃን ሓደ ኽፍልን ጥራሕ ርስቲ ዝሃብካና?” በልዎ።
ንስኻትኩም ከዓ ነታ ምድሪ ኣብ ሸውዓተ ኽፍሊ ፅሒፍኩም ናብዙይ ኣምፅኡለይ፤ ኣነ ድማ ኣብዙይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕፃ ኸውድቐልኩም እየ።
እቲ ኻልኣይ ዕፃ ድማ ናብ ነገድ ስምኦን ከከም ዓሌቶም በፅሐ። ርስቶም ከዓ ኣብ ማእኸል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ።
እቲ ሳልሳይ ዕፃ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም በፅሖም። ወሰን ርስቶም ከዓ ኽሳዕ ሳሪድ እዩ።
እቲ ራብዓይ ዕፃ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም በፅሖም፦
እቲ ሓምሻይ ዕፃ ኸዓ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም በፅሖም።
እቲ ሻድሻይ ዕፃ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም በፅሖም።
እቲ ሻውዓይ ዕፃ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም በፅሖም።