52 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ እስራኤል ብድምር ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
“እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቝፅሪ ስሞም ርስቲ ኾይና ትመቐል።
ሙሴ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ኣዘዞም፦ ርስቲ ምእንቲ ኽትኮነኩም ነዛ ምድሪ እዚኣ ዕፃ ኣውዲቕኩም ተማቐልዋ። እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ፈረቓን ክትወሃብ ዝኣዘዘ እዚኣ እያ።
ከምኡ ድማ ኢያሱ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ንዅላ እታ ሃገር ሓዛ፤ ንደቂ እስራኤል ድማ ኸከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ከዓ ኻብ ውግእ ኣዕረፈት።
ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ነቶም ትሽዓተ ነገድን ፍርቂ ነገድን ረርስቶም ብዕፃ ኣካፈልዎም።