51 እቶም ዝተቘፀሩ ደቂ እስራኤል ብድምር ሽዱሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም።
እንሆ፥ ንሱ የፍርስ፥ መሊሱ ዝነድቕ ከዓ የለን፤ ንሱ ንሰብ ይዓፅዎ፤ ዝኸፍቶውን የለን።
ንህዝብኻ ኸም መጓሰ፥ ብኢድ ሙሴን ኣሮንን መራሕኻዮም።
ደቂ እስራኤል ድማ ኻብ ራምሴ ተልዒሎም ናብ ሱኮት ተጕዓዙ። ኵሎም፥ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፥ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ እግረኛ ሰብኡት ነበሩ።
እዝ ፀብፃብ እዙይ ደቂ እስራኤል ክቝፀሩ እንተለዉ፥ እቶም ዝተቘፀሩ ሰባት ብሚዛን ቤተ መቕደስ ዝኸፈልዎ ድምር እዩ። እቶም ዝተቘፀሩ ድማ ኻብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ኵሎም ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ነበሩ።
ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ።
ሙሴ ኸዓ፥ “እዝ ኣነ ኣብ ማእኸሉ ዘለኹ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር እዩ። ንስኻ ኸዓ ‘ወርሒ ምሉእ ዝበልዕዎ ስጋ ኽህቦም እየ’ ትብል ኣለኻ።
እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤቶም ዝተቘፀሩ እዚኣቶም እዮም። ኵሎም በብሰራዊቶም ከዓ ሽዱሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦