5 ካብቲ በዅሪ ያእቆብ ዝኾነ ሮቤል ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፥ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን፥
ልያ ጠነሰት፤ ወዲውን ወለደት። “እግዚኣብሄር መከራይ ሪኡ እዩ እሞ፥ ሕዝስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ” እንትትብል “ሮቤል” ኢላ ሰመየቶ።
እስራኤልውን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ሮቤል፥ ዕቅብቲ ኣቦኡ ናብ ዝኾነት ናብ ባላ ኣተወ። ያእቆብ ድማ ብዛዕባኡ ሰምዐ። ደቂ ያእቆብ ዓሰርተ ኽልተ ነበሩ።
ደቂ ልያ፦ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንያእቆብ፥ ስምኦን፥ ሌዊ፥ ይሁዳ፥ ይሳኮር፥ ዛብሎን።
ደቂ ሮቤል በዅሪ ወዱ ንእስራኤል እዚኣቶም እዮም። ሮቤል በዅሪ ወዱ ነበረ፤ ግና ደፊሩ ዓራት ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ፥ መሰል ብዅርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተውሃበ። ኣብ መፅሓፍ ትውልዲ ግና፥ ከም በዅሪ ኣይተፅሓፈን።
ደቂ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ፦ ሄኖሕ፥ ፈሊሶ፥ ኣስሮን፥ ከርሚ ነበሩ።
ኣሕሉቕ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፦ ደቂ እቲ በዅሪ እስራኤል ዝኾነ ሮቤል፥ ሄኖህ፥ ፈሉስ፥ ኣስሮን ከርሚ እዮም። እዚኣቶም ዓሌት ሮቤል እዮም።
ካብ ሮቤል በዅሪ ያእቆብ ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም ተባዕትዮ፥
“ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይን ነቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁ ደቂ እስራኤልን ዝኣዘዘና፥ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቝፀርዎም” ኢሎም ተዛረቡዎም። እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ እስራኤላውያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፥ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን።