45 ካብ ዓሌት በሪዓ ዝተወለዱ ኸዓ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሔቤር ሔቤራውያን። ካብ ዓሌት መልኪኤል መልኪኤላውያን።
ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ። ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ኸዓ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤር፥ መልኪኤል።
ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ዪምና ዪምናውያን፥ ካብ ዓሌት የሱዋ የሱዋውያን፥ ካብ ዓሌት በሪዓ በሪዓውያን።
ኣሴር፥ ሳራ እትበሃል ጓል ነበረቶ።