44 ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ዪምና ዪምናውያን፥ ካብ ዓሌት የሱዋ የሱዋውያን፥ ካብ ዓሌት በሪዓ በሪዓውያን።
ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ ዪስዋ፥ የስዊ፥ በሪዓ። ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ኸዓ ነበረቶም። ደቂ በሪዓ፦ ሔቤር፥ መልኪኤል።
ደቂ ኣሴር፦ ዪምና፥ የሱዋ፥ የሱዊ፥ በሪዓ፥ ሴራሕ እትበሃል ሓፍቲ ነበረቶም።
ካብ ኣሴር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ካብ ዓሌት በሪዓ ዝተወለዱ ኸዓ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሔቤር ሔቤራውያን። ካብ ዓሌት መልኪኤል መልኪኤላውያን።