4 “ከምቲ እግዚኣብሄር ንኣይን ነቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ዝወፁ ደቂ እስራኤልን ዝኣዘዘና፥ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቝፀርዎም” ኢሎም ተዛረቡዎም። እቶም ካብ ግብፂ ዝወፁ እስራኤላውያን እዞም ዝስዕቡ እዮም፦
ስም እቶም ናብ ግብፂ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል፥ እዝ ዝስዕብ እዩ፦ በዅሪ ያእቆብ፥ ሮቤል።
ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተልዓለ፤ ንዳዊት ከዓ ንህዝቢ እስራኤል ክቘፅር ኣለዓዓሎ።
እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብፂ ኣውፅኦም።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኻብ ዝወፁ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፥ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ምድረ በዳ ሲና፥ ኣብ ውሽጢ እቲ መራኸቢ ድንኳን ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦
ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከዓ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፥ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ኢያሪኮ፦
ካብቲ በዅሪ ያእቆብ ዝኾነ ሮቤል ዝተወለዱ እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፥ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን፥