38 ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፥ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቤላ ቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣስቤል ኣስቤላውያን፥ ካብ ዓሌት ኣኪራ ኣኪራናውያን።
እግዚኣብሄር ድማ ንያእቆብ ብራእይ ለይቲ “ያእቆብ! ያእቆብ!” ኢሉ ፀውዖ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ” በለ።
ደቂ ብንያም ድማ፦ ቤላ፥ ቤከር፥ ኣስቤል፥ ደቂ ቤላ ድማ ጌራ፥ ናዕማን፥ ኣኪ፥ ሮስ፥ ማንፌን፥ ሑፊም፥ ጌራም ንኣርድ ወለደ።
ደቂ ብንያም ሓሙሽተ እዮም፦ በዅሪ ቤላን፥ ካልኣይ ኣስቤል፥ ሳልሳይ ኣሕራሕ፥
ካብ ብንያም ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ደቂ ኤፍሬም ብድምር ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
ካብ ዓሌት ሶፋም ሶፋማውያን።
ፄላን ኤሌፍን፥ ኢየሩሳሌም፥ እትበሃል ከተማ ኢያቡስ፥ ቂርያትጊብዓትን፥ ኵለን ዓሰርተ ኣርባዕተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት ድማ ይውስኽ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዙይ እዩ።