34 እዚኣቶም ናይ ምናሴ ወገን እዮም ደቂ ምናሴ ብድምር ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ኮኑ።
እቲ መልአኹ ልኢኹ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር ነዞም ቈልዑ ይባርኮም። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሓቅን ኣብኣቶም ይፀዋዕ፥ ኣብ ማእኸል ምድሪ ድማ ይብዝሑ።”
ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሱቱላ ሱቱላውያን፥ ካብ ዓሌት ቤኬር ቤኬራውያን፥ ካብ ዓሌት ታሓን ታሓናውያን።