32 ካብ ዓሌት ሸሚዳ ኸዓ ሸሚዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኦፌር ድማ ኦፌራውያን።
ካብ ዓሌት ኣስሪኤል ኣስሪኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ሰኬም ሰኬማውያን።
ሰለጰኣድ ወዲ ኤፌር ግና ኣጓላት እምበር ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስማተን ከዓ ማህለህ፥ ኑዓ፥ ኤግላ፥ ሚልካ፥ ቲርፃ ነበረ።
ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ድማ ኸከም ዓሌቶም ዕፃ በፅሖም፤ ንደቂ ኣቢዔዝርን ንደቂ ኬሌግን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ኦፌርን ንደቂ ሸሚዳን፤ ኣወዳት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፥ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።