26 ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሰረድ ሰረዳውያን፥ ካብ ዓሌት ኤሎን ኤሎናውያን፥ ካብ ዓሌት ያሕልኤል ያሕልኤላውያን።
ደቂ ዛብሎን ድማ፦ ሴሬድ፥ ኤሎን፥ ያሕልኤል።
ካብ ዛብሎን ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥