23 ደቂ ይሳኮር ድማ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ቶላ ቶላውያን፥ ካብ ዓሌት ፉዋ ፉዋውያን፥
ደቂ ይሳኮር፦ ቶላ፥ ፉዋ፥ ዮብ፥ ሺምሮን።
ደቂ ይሳኮር ኣርባዕተ እዮም፤ ንሳቶም ድማ ቶላ፥ ፉዋ፥ ያሱብ፥ ሺምሮን እዮም።
ካብ ይሳኮር ዝተወለዱ፦ በብትውልዶም፥ በብዓሌቶም፥ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፥ በብቝፅሪ ስሞም ዝተቘፀሩ፥ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፥ ናብ ውግእ ዝወፁ ዅሎም፥
ካብኡ ቐፂሎም ዝሰፍሩ ኸዓ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ሶገር እዩ።
ካብ ዓሌት ያሱብ ያሱባውያን፥ ካብ ዓሌት ሺምሮን ሺምሮናውያን።