21 ደቂ ፋሬስ ድማ፦ ካብ ዓሌት ኤስሮም ኤስሮማውያን፥ ካብ ዓሌት ሓሙል ሓሙላውያን እዮም፤ እዚኣቶም ወገናት ይሁዳ እዮም።
ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ ፋሬስ፥ ዛራ። ዔርናን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል።
ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል፥
ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን።
ደቂ ይሁዳ ብድምር ሰብዓን ሽዱሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኮኑ።
ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፥ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን።
ዓሌታት ሮቤል ብድምር ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሸውዓተ ሚእትን ሰላሳን ኮኑ።
ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥