Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 26:20 - መፅሓፍ ቅዱስ

20 ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ሴሎም ሴሎማውያን፥ ካብ ዓሌት ፋሬስ ፋሬሳውያን፥ ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 26:20
18 Referencias Cruzadas  

ሽዑ ይሁዳ፥ ንሴሎም ወዱ ኸም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ ንትእማር ሰበይቲ ወዱ፥ “ወደይ ሴሎም ክሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፥ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ትእማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።


ንሳ ኸዓ፥ ሴሎም ዓብዩ እንተሎስ፥ ሰበይቱ ኽትከውን ከም ዘይተውሃበት ሪኣ ነበረት እሞ፥ ነቲ ኽዳን መበለትነታ ኣንቢራ፥ ብሻሽ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መንገዲ ተምና ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።


መሊሳ ኸዓ ወዲ ወለደት፤ ሴሎም ኢላውን ሰመየቶ። ንእኡ ኽትወልድ እንተላ፥ ክዚብ ኣብ ዝበሃል ሃገር ነበረት።


ደቂ ይሁዳ ድማ፦ ዔር፥ ኣውናን፥ ሴሎም፥ ፋሬስ፥ ዛራ። ዔርናን ኣውናንን ግና ኣብ ምድሪ ከነዓን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ፦ ኤስሮም፥ ሓሙል።


“ይሁዳ፥ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፤ ኢድካ ኣብ ክሳድ ፀላእትኻ ኽትከውን እያ፤ ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም።


ይሁዳ ድማ ንሴሎም ወለደ፤ ሴሎም ከዓ ነቲ ንሌካ ኣቦ ንዝኾነ ንዔር፥ ንማሬሻ ኣቦ ንዝኾነ ለዓዳ፥ ነቶም ካብ ኣሽቤዓ ንዝኾኑ


ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ፦ ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፥ ወዲ ዖምሪ፥ ወዲ ኣምሪ፥ ወዲ ባኒ እዮም።


ካብ ሴሎናውያን ወዲ ይሁዳ፦ ዓሳያ እቲ በዅርን ደቁን ነበሩ።


ፈታያ ወዲ ሜሴዜቤል፥ ካብ ደቂ ዝራ ወዲ ይሁዳ ድማ፥ ምእንቲ ጉዳይ ህዝቢ ኣብ ጥቓ ንጉስ ነበረ።


እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ደቂ ይሁዳን ደቂ ብንያምን እዚኣቶም እዮም፦ ካብ ደቂ ይሁዳ፦ ዓታያ ወዲ ዖዝያ፥ ወዲ ዘካርያስ፥ ወዲ ኣማርያ፥ ወዲ ሰፋጥያስ፥ ወዲ ማላልኤል፥ ካብ ደቂ ፋሬስ፤


ካብ ማእኸል ዘርኢ፥ ፋሬስ፥ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሸሞንተን ሰባት ሓያላት ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ።


ደቂ ፋሬስ ድማ፦ ካብ ዓሌት ኤስሮም ኤስሮማውያን፥ ካብ ዓሌት ሓሙል ሓሙላውያን እዮም፤ እዚኣቶም ወገናት ይሁዳ እዮም።


ይሁዳ ኸዓ፥ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፥ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፥ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፥


ወዲ ኣሚናዳብ፥ ወዲ ኣራም፥ ወዲ ኣሮኒ፥ ወዲ ኤስሮም፥ ወዲ ፋሬስ፥ ወዲ ይሁዳ፥


እቶም ማሕተም ዝተገብረሎም፥ ካብ ነገድ ይሁዳ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ሮቤል - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥ ካብ ነገድ ጋድ - ዓሰርተ ኽልተ ሽሕ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos