13 ካብ ዓሌት ዛራ ዛራውያን፥ ካብ ዓሌት ሳኡል ሳኡላውያን።
ደቂ ስምኦን፦ ይሙኤል፥ ያሚን፥ ኦሃድ፥ ያኪን፥ ፆሓር፥ ሳኡል ወዲ እታ ከነዓናዊት።
ብሻምነይቲ ወርሒ፥ ሲቦካይ ኩሳታዊ ካብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
ብዓስረይቲ ወርሒ ኖኤሬ እቲ ነጦፋዊ ኻብ ዛራውያን ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፤ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ወታደራት ድማ ነበርዎ።
ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ካብ ዓሌት ነሙኤል ነሙኤላውያን፥ ካብ ዓሌት ያሚን ያሚናውያን፥ ካብ ዓሌት ያኪን ያኪናውያን፥
ደቂ ስምኦን ብድምር ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኮኑ።
ንዓሌታት ይሁዳ ኸዓ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዛራ ተፈለየ። ንዓሌት ዛራ ኣቕረቦም፤ ነገድ ዘንበሪ ተፈለየ።