10 ነዚኣቶም ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ወሓጠቶም፤ በቲ ጊዜ እቱይ እታ ሓዊ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ዝበልዐትላ፥ ምስ ቆሬን ሰዓብቱን ሞቱ፤ ንህዝቢ ድማ መርኣያ መቕፃዕቲ ኾኑ።
ደቂ እስራኤል ናብታ ዝነብሩላ ምድሪ ኽሳዕ ዝኣትዉ፥ ነርብዓ ዓመት ዝኣክል መና በልዑ። ናብ ወሰን ከነዓን ክሳዕ ዝበፅሑ መና በልዑ።
እቶም ኣብ ባቢሎን ዘለዉ ዅላቶም ምሩኻት ይሁዳ ኸዓ፥ እግዚኣብሄር! ከምቶም ንጉስ ባቢሎን ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም ሴዴቅያስን ኣክኣብን ይግበርካ፤ ኢሎም ክራገሙ እዮም።
ነዝ ሰብ እዙይ ኣነ ገፀይ ክመልሰሉ፥ ንምልክትን ምሳሌን ከዓ ኽገብሮ፥ ካብ ማእኸል ህዝበይውን ከፅንቶ እየ፤ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
ኣብ ልዕሊ ሙሴ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሹመኛታት ወሰዱ፤ ንሳቶም ብህዝቦም ስሙያት ዝኾኑ ናይቲ ማሕበር ኣሕሉቕ ነበሩ።
ነቲ ፅንሃሃትውን ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ነቲ መሰውኢ ኸዓ ብእኡ ይለብጥዎ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ምልክት ይኹን።”
ነንሹም ነገድ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትሃልዎ፤ ስም ኣሮን ድማ ኣብ በትሪ ሌዊ ፀሓፍ።
“ኣቦና ኣብ ምድረ በዳ ሞተ፤ ንሱ ብሓጢኣቱ እዩ ዝሞተ እምበር፥ ምስቶም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ዝተስኡ ሰዓብቲ ቆሬ ኣይነበረን፤ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን።
እቲ ንዳታንን ንኣቤሮንን ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፥ ምስ ስድራኦምን ድንኳናቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህይወት ዘለዎ ፍጥረትን፥ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ደቂ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኽትውሕጦም ከም ዝገበረ ሎሚ ዘክሩ።
እዙይ ንኣኻትኩምን ንውሉድ ወለዶኹምን ንዘለኣለም ንምልክትን ንመደነቕን ክኸውን እዩ።
ነቶም ፍርሓት እግዚኣብሄር ዘይብሎም፥ መርኣያ መቕፃዕቲ ምእንቲ ክኾና፥ ንሰዶምን ገሞራን ሓመዅሽቲ ኽሳዕ ዝኾና፥ ክቃፀላ ፈረደን።
ከምኡ ድማ ሰዶምን ገሞራን፥ እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፥ ከምኣቶም ዘመዋ፤ ባህርያዊ ዘይኮነ ግብረ ስጋውን ፈፀማ። በቲ ዝወረደን ቅፅዓት ከዓ፥ ብዘለኣለማዊ ሓዊ ንዝቕፅዑ፥ መርኣያ ኾይነን ኣለዋ።
“እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ኣፍኒንን ፊንሓስን ዝመፅእ፥ ምልክት ክኾነካ እዩ፤ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም።