9 እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸዓ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኾኑ።
እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ጊዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸዓ፥ ካብ ዳን ክሳዕ ቤርሳቤህ፥ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ።
ኣሮን ንዝሰርሖ ምራኽ ስለ ዝሰርሑ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ቐሰፎም።
እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ተቐሲፎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ።
ኣብ መንጎ ምዉታንን ህያዋንን ድማ ቆመ። እቲ መዓት ከዓ ተኸልከለ።
እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ በሎ፦
ድሕሪ እቲ መቕሰፍቲ፥ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፦
እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ።
ከምቲ ገሊኣቶም ዘመንዘሩ እሞ፥ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝሞቱ፥ ኣይነመንዝር።