3 ስለዙይ ደቂ እስራኤል ንብዔልፌጎር ኣምለኹ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ደቂ እስራኤል ቍጥዓኡ ነደደ።
ፅንዓት ቍጥዓኻ መን ይፈልጥ? ካብ ግርማ ቝጥዓኻ ዝተልዓለ ሃለቑ።
ንሓዊ ቝጥዓይ ኣቃፂልኩምዎስ ንሓዋሩ ኽነድድ እዩ እሞ፥ ብሰንኪ በደልኪ ነቲ ዝሃብኩኺ ርስቲ ኽትስእኒዮ ኢኺ፤ ኣብ ዘይትፈልጥዮ ሃገር ድማ ኣብ ትሕቲ ፀላእትኺ ባርያ ኽገብረኪ እየ።”
ኣወዳትኩምውን ምስተን ኣብ ቤተ ጣዖት ዘለዋ ኣመንዝራታት ይምንዝሩ፤ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲ ድማ ይስውኡ ኣለዉሞ፥ ኣዋልድኩም እንተመንዘራ፥ መራዑኹምውን እንተ ዘመዋ፥ ኣነ ኣይቀፅዐንን እየ። ዘየስተውዕል ህዝቢ ኽጠፍእ እዩ።
ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ኾይኑ ረኸብክዎ። ነቦታትኩም ድማ፥ ከምቲ ቐዳማይ በኵራት ፍረ ኦም በለስ ረአኽዎም። ንሳቶም ግና ናብ ብዔልፌጎር ኣተዉ፤ ንነውሪ ድማ ተፈለዩ፤ ከምቲ ዝፈተውዎ ኸዓ ርኹሳት ኮኑ።
ሙሴ ድማ ንፈራዶ ደቂ እስራኤል “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ብዔልፌጎር ዝተኸተሉ ሰብኩም፥ ቅተልዎም” በሎም።
እንሆ በቲ ኣብ ፌጎር ዝኾነ፥ ብምኽሪ በለዓም፥ ንደቂ እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ዘርሓቓኦም ንሳተን እየን፤ ስለዙይ ከዓ ኣብቲ ማሕበር እግዚኣብሄር፥ መዓት ኮነ።
ሓጢኣት ፌጎርዶ ኣይኣኸለናን እዩ? ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር መዓት ወሪዱ ብሰንኩ ኽሳዕ ሎሚ ኻብቲ ሓጢኣት እቱይ ኣይነፃህናን።
ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፤ ነቶም በዓሊም ዝበሃሉ ኣማልኽቲ እውን ኣምለኹ።
ንእግዚኣብሄር ምምላኽ ሓዲጎም በዓልን ኣስታሮትን ተብሂሎም ንዝፅውዑ ኣማልኽቲ ሰገዱ።
ሽዑ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ናብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም። ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ፀላእቶም ስለ ዘውደቖም፥ ኣብ ቅድሚ ፀላእቶምውን ክቖሙ ኣይከኣሉን።
ቍጥዓ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነደደ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ነቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተኽዎ ቓል ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፥ ንኣይ ከዓ ስለ ዘይሰምዑኒ፥