12 ስለዙይ በል፤ እንሆ፥ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ።
ሽዑ ፊንሃስ ተሲኡ ፈረዶም፤ እቲ መዓት ድማ ሓደገ።
እዙይ ንሓዋሩ ንውሉድ ወለዶ፥ ፅድቂ ኾይኑ ተቘፀረሉ።
እምባታት ክልዓሉ፥ ኰረብታታውን ክውገዱ እዮም፤ ምሕረተይ ግና ኻባኺ ኣይለዓልን፤ ቃል ኪዳን ሰላመይውን ካባኺ ኣይውገድን እዩ” ይብል እቲ ዝርህርሀልኪ እግዚኣብሄር።
ኣነ ምስኣተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፥ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ንሳተን ከዓ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፥ ኣብ ዱርውን ክዔማ እየን።”
ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፤ ዘለኣለማዊ ኺዳን ድማ ክኾነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ፤ ንመቕደሰይ ከዓ ንዘለኣለም ኣብ ማእኸሎም ከቑሞ እየ።
ንስኻትኩም ግና፥ ካብ መንገዱ ኣግለስኩም፤ ብሕጊ እውን ብዙሓት ከም ዝዕንቀፉ ጌርኩም ኢኹም፤ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣነዊርኩም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
“እንሆ፥ መንገዲ ዝፀርግ ልኡኸይ ቀቅድመይ እልእኽ ኣለኹ። እቲ እትደልይዎ ጐይታ ኸዓ ናብ መቕደሱ ድንገት ክመፅእ እዩ፤ እቲ እትሕጐሱሉ መልእኽተኛ ቃል ኪዳን፥ እንሆ፥ ይመፅእ ኣሎ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ኣብ ነጌብ ኣማሌቃውያን ኣብ እምባታት ድማ ሄታውያንን ኢያቡሳውያንን ኣሞራውያንን፥ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብወገን ዮርዳኖስን ድማ ከነዓናውያን፥ ይነብሩ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ።