9 ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤ ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤ ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ? ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤ ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።”
ንዝባርኹኻ ኽባርኾም፥ ንዝረግሙኻ ድማ ኽረግሞም እየ፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም።”
ኣህዛብ ይገዝኡኻ፤ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፤ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፤ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ።
ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?
ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ኣብ ኵለን መንግስታት ኣይተገብረን።
እቲ ዙፋን ከዓ ሽዱሽተ መደያይቦን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓደ ናይ እግሪ ድኳ ምስቲ ዙፋን ዝለገበ ነበሮ፤ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዙይን በቱይን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳዉ ኸዓ ምስሊ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ።
ሃማ ዅሉ እቲ ዝረኸቦ ንዞሳራ ሰበይቱን ንዅሎም ፈተውቱን ነገሮም። እቶም ጠቢባኑን ዙሳራ ሰበይቱን ድማ “መርዶክዮስ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘለኻ፥ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፥ ፈፂምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፥ ክትስዕሮ ኣይትኽእልን ኢኻ” በልዎ።
ንእኡ ኽቕስቅሶ ዝደፍር የለን፤ ኣብ ቅድመይ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?
ንኢየሩሳሌም ሰላም ለምኑ፤ ንዝፈትዉኺውን ልምዓት ይኹን።
ጐይታ ኸይቍጣዕሞ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ መንገዲ ኸይትጠፍኡስ፥ ተግሳፁ ተቐበሉ፤ ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤ ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም።
ድምፁ እንተ ሰሚዕኻ፥ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፥ ኣነ ንፀላእትኻ ኽፀልኦም፥ ንዝፃረሩኻ ድማ ኽፃረሮም እየ።
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።
እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ።
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስኣቶም ኣይትኺድ፤ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ድማ ምሩቓት እዮም እሞ ኣይትርገሞም” በሎ።
ንሳቶም ካባይ ዝሕይሉ ህዝቢ ስለ ዝኾኑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መፂእኻ ርገሞም። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፥ ዝረገምካዮ ኸዓ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየሞ። ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ።
እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤ ከም ኣንበሳ ይለዓል፤ ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥ ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”
ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም።
እቲ ንጉስ ከዓ ‘ካብዞም ንኡሳት ኣሕዋተይ፥ ንሓደ ዝገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዝገበርክምዎ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ!’ ኢሉ ይምልሰሎም።
ሽዑ ‘እቲ ንሓደ ኻብዞም ዝነኣሱ ኣሕዋተይ ዘይገበርኩምዎ፥ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምዎ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ’ ኢሉ ይምልሰሎም።
ንሱ ድማ “ጐይታይ፥ መን ኢኻ?” በሎ፤ ጐይታ ኸዓ “ኣነ እቲ ንስኻ እተሳጕጐኒ ዘለኻ ኢየሱስ እየ። በሊሕ ነገር እንተ ረገፅካ ንባዕልኻ እዩ ዝገደካ” በሎ።
እዝ ዅሉ መርገም እዙይ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብቶም ዝፀልኡኹምን ዝሰጕኹምን ፀላእትኹም ክመልሶ እዩ።