7 ካብ ዕትሮኦም ማይ ይፈስስ፤ ዘርኦም ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፤ ንጉሶም ካብ ኣጋግ ልዕል ልዕል ይብል፤ መንግስቱውን ክትከብር እያ።
ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖ፥ ነታ መንግስቱውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ።
ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ።
ኪራም ንጉስ ጢሮስ፥ ብዅሉ ዘመኑ ፈታዊ ዳዊት ስለ ዝነበረ፥ ሰሎሞን ክንዲ ኣቦኡ ኽነግስ ከም ዝተቐብአ ምስ ሰምዐ ኸዓ፥ ናብ ሰሎሞን ልኡኻቱ ሰደደሉ።
ዳዊት ከዓ፥ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘፅንዖን፥ ነታ መንግስቱውን እምብዛ ልዕል ከም ዘበለሉን ኣስተውዓለ።
ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰገር ሩባ ዝነበረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፤ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ይቕበሉ ነበሩ።
ድሕሪ እዝ ነገር እዙይ ንጉስ ኣርጤክስስ፥ ንሃማ ወዲ ሃመዳቱ እቲ ኣጋጋዊ፥ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዅሎም ሹመኛታት ሸሞ፤ ኣኽበሮውን።
ካብ ክርክር ኣህዛብ ተድሕነኒ፤ ርእሲ ኣህዛብ ጌርካ ድማ ትሸመኒ፤ ዘይፈልጦ ህዝቢ እውን ተገዝአለይ።
ንእግዚኣብሄር ብማሕበር፥ ንጐይታናውን ካብ ዓይኒ ማይ እስራኤል ኣመስግንዎ።
ኵሎም ነገስታት ምድሪ ኸዓ ኽሰግዱሉ፥ ኵሎም ኣህዛብውን ክግዝኡሉ እዮም።
ኣነውን በዅረይ ክገብሮ እየ፤ ንሱ ኻብ ነገስታት ምድሪ ልዑል እዩ።
በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ እምባ ናይ እግዚኣብሄር ቤት መቕደስ፥ ኣብ ልዕሊ እምባታት ፀኒዑ ኽቐውም እዩ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታትውን፥ ልዕል ልዕል ክብል እዩ፤ ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ኽእከቡ እዮም።
በታ ዕርድታት ዝወድቁላ፥ ዓባይ መዓልቲ ህልቀት፥ ካብ ኵለን ነዋሕቲ እምባታትን በረኽቲ ዀረብታታትን፥ ሩባታትን ወሓዝትን ክውሕዙ እዮም።
ኣቱም ብስም እስራኤል እትፅውዑ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ዝፈልፈልኩም፥ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፥ ብሓቅን ብፅድቅን ደኣ ኣይኮነን እምበር፥ ንኣምላኽ እስራኤል እትፅውዑ፥ እዙይ ስምዑ።
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ኣቲ ብመዛግብቲ ዝበልፀግኪ፥ ኣብ ገምገም ዓበይቲ ማያት እትነብሪ ዘለኺ፥ እቲ መስፈሪ ስስዐኺ በፂሑ፥ ፍፃመኺውን ቀሪቡ እዩ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
ንኣማሌቅ እናረአየ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “ኣማሌቅ ሓለቓ ኣህዛብ ነበረ፤ መወዳእታኡ ግና ንጥፍኣት እዩ።”
ናትናኤል ድማ “መምህር፥ ንስኻ ወዲ እግዚኣብሄር ኢኻ፤ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
ካብቶም ሸውዓተ ፅዋዓት ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ፥ እቲ ሓደ ናባይ መፂኡ፦ “ፍርዲ፥ እታ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ፥ ከርእየካ ነዓ፤
“እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶም ዝረአኻዮም ማያት፥ ኣህዛብን ህዝብን ብዙሓት ሰባትን፥ ሃገራትን፥ ዝተፈላለዩ ቛንቋታትን እዮም።
ኣብ ክዳኑን ኣብ ጐኑን ድማ፥ “ንጉስ ነገስታት፥ ጐይታ ጐይቶት” ዝብል ስም ተፅሒፍዎ ነበረ።