6 ከም ለሰታት ይዝርግሑ፤ ኣብ ገምገም ሩባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፥ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ተኽሊ ዕረታት፥ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ፅሕድታት ተዘርጊሖም እዮም።
ሎጥ ከዓ ናብ ዙርያኡ ቘላሕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን፥ ከም ምድሪ ግብፅን፥ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። (እዙይ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአን እንተሎ እዩ።)
ንሱ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ከም ዝተተኽለት፥ በብእዋኑ ፍረኣ ከም እትህብ፥ ቈፅላውን ከም ዘይረግፍ ኦም ይኸውን፤ ኵሉ ዝገብሮውን ይሰልጠሉ።
ኣእዋም እግዚኣብሄር፥ እቶም ንሱ ዝተኸሎም፥ ፅሕድታት ሊባኖስ ክፀግቡ እዮም።
ኣብ ኵሉ ኽዳውንትካ ኸርበን ዓልውን ዝባድን ኣሎ፤ ብስኒ ሓርማዝ ኣብ ዝተሰርሐ ኣዳራሽ፥ የሐጕሱኻ።
ልምሉም ተኽሊ ለሰ ኽርኢ፥ ተኽሊ ወይኒ ጠጢዑ እንተ ኾይኑ፥ ሮማንውን ዓምቢቡ እንተ ኾይኑ ኽርኢ፥ ናብ ኣታኽልቲ ለውዝ ወረድኩ።
ኣብ ምድረ በዳ፥ ዝግባን መሞናን ፀፆን ኣውሊዕን ከብቍል፥ ኣብቲ ኣፃምእ ከዓ፥ ፅሕድን ኦም ሊባኖስን ዝግባን ብሓባር ክተክል እየ።
እግዚኣብሄር ኵልሻዕ ኽመርሐካ፥ ብሰናይ ነገራት ንነፍስኻ ኸፅግብ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ኸበርትዖ እዩ፤ ንስኻ ኸዓ፥ ማይ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን፥ ከምቲ ማዩ ዘይነፅፍ ዓይኒ ማይን፥ ክትከውን ኢኻ።
እቶም ዘሳጕጉኒ ይሕፈሩ፤ ኣነ ግና ኣይሕፈር፤ ንሳቶም ይደንግፁ፤ ኣነ ግና ኣይደንግፅ። ክፉእ መዓልቲ ኣምፅአሎም፤ ዕፅፊ ጥፍኣት ጌርካውን ኣጥፍኣዮም።
ንሳቶም ክመፁ፥ ኣብ እምባ ፅዮን ዕልል ክብሉ እዮም፤ ናብ በረኸት እግዚኣብሄር፥ ናብ እኽልን ናብ ወይንን ናብ ዘይትን፥ ናብ ኣባጊዕን ናብ ኣላሕምን ክእከቡ እዮም። ነፍሶም ከም ማይ ዝሰተየ ኣታኽልቲ ኽትከውን እያ፤ ድሕሪ ደጊምውን ኣይሓዝኑን እዮም።
ወሰና ወሰን እዚ ሩባ በዙይን በቱይን፥ ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ፤ ኣቝፅልቱ ኣይፅምሉን፤ ፍረኡውን ኣይውዳእን እዩ፤ ማያቱ ኻብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፥ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፥ ፍረታቱ ንምግቢ፥ ኣቝፅልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።”
በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምዙይ ክኸውን እዩ፤ እምባታት ሓድሽ ወይኒ ኸንጠብጥቡ፥ ኰረብታታት ድማ ፀባ ኸውሕዙ፥ ካብ ኵሉ ሩባታት ይሁዳ ኸዓ ማያት ከውሕዙ እዮም፤ ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክትፍልፍል፥ ንለሰ ሰጢም ድማ ኽተስቲ እያ።
ኣታ ያእቆብ ድንኳናትካ፥ ኣታ እስራኤል ድማ ማሕደራትካ፥ ክንደይ ይፅብቑ!