Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 24:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ሽዑ በለዓም ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ አዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል፤

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 24:3
9 Referencias Cruzadas  

ነቢይ ሚክያስ ከዓ ኸምዙይ በለ፦ “ንዅሎም ሰራዊት እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፥ ኣብ እምባ ፋሕ ኢሎም ረአኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ ‘እዚኣቶም መራሒ የብሎምን፤ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ’ በለ።”


ሚክያስ ድማ “ስለዙይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዙፋኑ ተቐሚጡ፥ ኵሎም ሰራዊት ሰማይ ከዓ ብየማኑን ብፀጋሙን ቆይሞም ረአኹ።


ኢዮብ ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦


ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በለዓም ከፈተ እሞ፥ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ዝተመዘዘ ሰይፊ ሒዙ ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ እንተሎ ረአየ። ብግንባሩ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ድማ ሰገደ።


ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ። “ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤ ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።


ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “ባላቅ ካብ ኣራም፥ ንጉስ ሞኣብ ካብ እምባታት ምብራቕ ኣምፅአኒ፤ ነዓ ‘ንያእቆብ ርገመለይ፤ ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ።


ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል።


ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።


ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos