25 ሽዑ በለዓም ተሲኡ ኸደ፤ ናብ ቦታኡ ኸዓ ተመለሰ። ባላቅውን ናብ መንገዱ ኸደ።
ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”
ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
ደቂ እስራኤል ሰጢም ኣብ ዝበሃል ዓዲ ተቐመጡ። እቶም ህዝቢ ከዓ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክዝምዉ ጀመሩ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።