23 ምስላኡ ኸዓ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “እግዚኣብሄር ነዙይ ምስ ገበረስ፥ መን ኮን ብህይወት ክነብር እዩ?
ንእማን ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ዓቢይን ክቡርን ሰብ ነበረ፤ እግዚኣብሄር ብእኡ ገይሩ ንሶርያ ዓወት ሂብዎም ስለ ዝነበረ ድማ፥ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓቢይን ክቡርን ነበረ። ግና ለምፃም ነበረ።
ንሱ ግና፥ ከም ሓዊ ኣንጠረኛ፥ ከም ሳሙና ሓፃቢ እዩሞ፥ ነታ ንሱ ዝመፀላ መዓልቲ መን ክፃወራ ይኽእል? ንሱ ኽግለፅ እንተሎኸ፥ ክቐውም ዝኽእል መን እዩ?
ኣብ ልዕሊ ያእቆብ ኣስማት፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከዓ ጥንቘላ፥ ኣይሰርሕን እዩ። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን፥ ‘እግዚኣብሄር፥ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ’ ኽብሃል እዩ።
እንተ ኾነ ኣሶር ክሳዕ ዝማርኸኩም፥ እቲ ቄናዊ ንጥፍኣት ክኸውን እዩ።”
ካብ ወሰን ኪቲም መራኽብ ክመፃ እየን፤ ንኣሶርን ንዔቤርን ከጨንቓኦም እየን፤ ንሱ ባዕሉውን ክጠፍእ እዩ።”