2 ንደቂ እስራኤል በብነገዶም ሰፊሮም ምስ ረአዮም ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ መፀ።
መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊ ኣዛርያስ ወዲ ዖዴድ መፀ።
እዛ ኸም ወጋሕታ ብርሃን ቅልቅል እትብል፥ ከም ወርሒ ፅብቕቲ፥ ከም ፀሓይ ብርህቲ፥ ሰንደቕ ዕላማ ሒዙ ኸም ዝተሰለፈ ሰራዊት፥ ግርማኣ ዘፍርሕ እዚኣ መን እያ?
ኣቲ ፍቕርተይ፥ ከም ከተማ ቴርሳ ፅብቕቲ፥ ከም ከተማ ኢየሩሳሌም ባህ እተብሊ ኢኺ፤ ሰንደቕ ዕላማ ኸም ዝሓዘ ሰራዊት፥ እተፍርሒ ኢኺ።
ኣታ ያእቆብ ድንኳናትካ፥ ኣታ እስራኤል ድማ ማሕደራትካ፥ ክንደይ ይፅብቑ!
ስምኦን ቀናኢን፥ እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን እዩ።
ሕሙማት ኣሕውዩ፤ ምዉታን ኣተስኡ፤ ለምፃማት ኣንፅሁ፤ ኣጋንንቲ ኣውፅኡ፤ ብዘይ ዋጋ ዝተቐበልኩምዎ ብዘይ ዋጋ ሃቡ።
በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት ‘ኦ ጐይታ! ኦ ጐይታ! ብስምካዶ ትንቢት ኣይተናገርናን? ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውፃእናን? ብስምካኸ ብዙሕ ተኣምራትዶ ኣይገበርናን?’ ክብሉኒ እዮም።
ግና፥ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተፅሓፈ ደኣ ተሓጐሱ እምበር፥ ርኹሳን መናፍስቲ ስለ ዝተገዝኡልኩም፥ ኣይትተሓጐሱ” በሎም።
ብመዓልቲ ጐይታ፥ ብመንፈስ ተመሲጠ ነበርኩ። ብድሕረይ ከዓ፥ ከም ድምፂ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምፂ ሰማዕኹ፤
መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ፤ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ኸዓ ወፀ፤ እግዚኣብሄር ድማ ንኵሰርሰቴም ንጉስ መስጴጦምያ ናብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱውን ንኵሰርሰቴም ሰዓረቶ።
ናብታ ዀረብታ ምስ መፁ ድማ፥ እንሆ ጉባኤ ነቢያት ተቐበልዎ፤ መንፈስ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ፥ ኣብ ማእኸሎም ኮይኑ ተነበየ።
ሳኦል ድማ ንዳዊት ዝሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከዓ፥ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም ጉባኤ ነቢያት ክንበዩ ምስ ረአዩ፥ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል መፀ፤ ንሳቶምውን ተነበዩ።
ሳኦል ከዓ ናብኡ፥ ናብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ከደ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር መፀ፤ ኣብ ኣውቴዝራማ ናይ ኣርማቴም ክሳዕ ዝበፅሕ ኸዓ እናተነበየ ኸደ።