Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 24:18 - መፅሓፍ ቅዱስ

18 ንኤዶምያስ ርስቱ ኽገብር እዩ፤ ፀላኢኡ ሴይርውን ርስቱ ክኸውን እዩ። እስራኤል ከዓ እናበርትዐ ክኸይድ እዩ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 24:18
15 Referencias Cruzadas  

ኣህዛብ ይገዝኡኻ፤ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፤ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፤ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፥ ዝምርቐካ ምሩቕ ይኹን” በሎ።


ብሰይፍኻ ኽትነብር፥ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ፤ ምስ ተቓወምካዮ፥ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትድርቢ ኢኻ” በሎ።


ያእቆብ ድማ፥ ኣብ ሃገር ኤዶምያስ ኣብ ምድሪ ሴይር ናብ ዝነብር ሓዉ ኤሳው ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ።


ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።


እግዚኣብሄር ድማ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶምያስ ንዝኾነ ሰብ ንሃዳድ ኣብ ልዕሊ ሰሎሞን ፀላኢ ገይሩ ኣተስኦ።


ዳዊት ንኤዶምያስ ምስ ሰዓራ፥ ኢዮኣብ ሓለቓ ሰራዊቱ ነቶም ቅቱላት ክቐብር ከይዱ ነበረ። ንዅሉ ኣብ ኤዶምያስ ዝነበረ ተባዕታይ ከዓ ቐተሎ።


ኦ ጐይታ፥ ደርበኻና፤ ኣፍረስካናውን፤ ተቘጣዕኻና፤ ይቕረውን በልካና።


ሰይፈይ ኣብ ሰማይ ኮይና ኽሳዕ እትረዊ ሰትያ ኣላ፤ እንሆ፥ ኣብ ኤዶምያስን፥ ኣብቲ ዝረገምክዎ ህዝብን፥ ንፍርዲ ኽትወርድ እያ።


እዝ ካብታ ኣብ ኤዶምያስ ዘላ ኸተማ ባሶራ፥ ቀይሕ ግምጃ ለቢሱ፥ ብኽዳውንቲ ዘጌፀ፥ ምስ ምሉእ ሓይሉን ጕልበቱን እናሰጐመ ዝመፅእ ዘሎ፥ እዙይ መን እዩ? “እቲ ብፅድቂ ዝዛረብ፥ ንምድሓን ምሉእ ስልጣን ዘለኒ ኣነ እየ።”


“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከተስእ እየ፤ ንዝነቕዐ መናድቓ ኽፅግኖ፥ ንዝፈረሰ ኽሕድሶ፥ ከምቲ ብጥንቲ ዘመን ዝነበረቶ ገይረ ኸዓ ኽሃንፃ እየ።


እዙይውን እቶም ኣብ ኤዶምያስ ዝተረፉን፥ እቶም ስመይ ዝተፀውዖም ኵሎም ኣህዛብን ምእንቲ ኽወርሱ እዩ” ይብል እቲ ነዙይ ዝገብር እግዚኣብሄር።


“እንሆ፥ ኣብ ማእኸል ኣህዛብ ኣንኣስኩኻ፤ ንስኻ ፈፂምካ ተንዒቕካ ኢኻ።


ንጉስ ኤዶማውያን ግና “ወፂእና ብሰይፊ ኸይንዋግአኩም ብሃገረይ ኣይትሕለፉ” በሎ።


ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኽወፅእ እዩ፤ ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸዓ ኸጥፍኦ እዩ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos