17 ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
እቲ ኽገዝእ ዝግብኦ ክሳዕ ዝመፅእ፥ ኣህዛብውን ክሳዕ ዝግዝእዎ፥ በትሪ መንግስቲ ኻብ ይሁዳ፥ ዘንጊ ገዛኢ ኸዓ ኻብ ማእኸል ኣእጋሩ፥ ኣይሰኣንን እዩ።
ኣብ ኵላ ኤዶምያስ ከዓ ሓለውቲ ኣቐመጠ፤ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ግዙኣት ዳዊት ኮኑ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዳዊት ኣብ ኵሉ ዝኸዶ ዓወት ሃቦ።
ንሞኣብውን ወቕዓ፤ ነቶም ሞዓባውያን ድማ ኣብ ምድሪ ለጥ ኣቢሉ በብኽልተ ገመድ ለኪዑ ቐተሎም፤ በብሓደ ገመድ ለኪዑ ኸዓ ብህይወት ሓደጎም። ሞኣባውያን ከዓ ንዳዊት ግዙኣቱ ኾኑ፤ ግብሪውን ኣምፅኡሉ።
ኣክኣብ ምስ ሞተ ግና ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ንጉስ እስራኤል ዓመፀ።
ንሞኣባውያንውን ሰዓሮም፤ ሞኣባውያን ከዓ ገባራቱ ኾይኖም ግብሪ ኣምፅኡሉ።
እግዚኣብሄር ካብ ፅዮን በትሪ ሓይሊ ኽልእኸልካ እዩ፤ “ኣብ ማእኸል ፀላእትኻውን ክትገዝእ ኢኻ።”
ኦ ኣምላኽ ዙፋንካ ንዘለኣለም እዩ፤ በትሪ መንግስትኻ በትሪ ቕንዕና እዩ።
ብዛዕባ ሞኣብ ዝተነግረ ሸኽሚ፥ ኣየ፥ እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ዒር፥ ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት! እታ ኣብ ሞኣብ ዘላ ቂር ብለይቲ ዓንያ ጠፍአት!
ካብ ሕዚ ጀሚሩ ኽሳዕ ዘለኣለም፥ ብፍትሕን ብፅድቅን ምእንቲ ኸቝሞን ከፅንዖን፥ ኣብ ዙፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን፥ ዕቤት ግዝኣቱ ክበዝሕ እዩ፤ ንሰላሙውን መወዳእታ የብሉን። ቅንኢ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ነዙይ ክገብሮ እዩ።
ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል እግዚኣብሄር፥ ብዛዕባ ሞኣብ ከምዙይ ይብል፦ ናባው ጠፊኣ እያ እሞ፥ ወይለኣ! ቅርያታይም ነወረት፤ ተትሓዘትውን፤ ሚስጋብ ሓፈረት፤ ደንገፀትውን።
እቶም ሃደምቲ ደኺሞም ኣብ ፅላል ሓሴቦን፥ ቆይሞም ኣለዉ። ሓዊ ኻብ ሓሴቦን ሃልሃልታ ድማ ኻብ ማእኸል ሴዎን ክወፅእ እዩ እሞ፥ ነቲ ጎቦታት ሞኣብን፥ ነቲ ርእሲ ዋዕዋዕ ዝብሉ ደቅን ከቃፅል እዩ።
ካብኡ እምኒ መኣዝን፥ ካስማ ድንኳን፥ ቀስቲ ውግእ፥ ኵሎም ግብሪ ዘገብሩ ኽወፁ እዮም።
“ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊትን፥ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ኢየሩሳሌምን፥ መንፈስ ሞገስን ምህለላን ከፍስስ እየ። ንሳቶም ድማ ንእኡ፥ ነቲ ዝወግኡዎ ኽጥምቱ እዮም፤ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ እትበኽየሉ ኽበኽዩሉ፥ ከምቲ ንበዅሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትሓዝነሉ ኣምሪሮም ክሓዝኑሉ እዮም።
ሞኣብ ወይለኻ፤ ናይ ከሞስ ህዝቢ ጠፋእኻ፤ ኣወዳት ደቁ ንምህዳም፥ ኣዋልዱ ንምርኮ፥ ንሴዎን ንጉስ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ሃቦም።
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።
በቲ ርህራሀን ምሕረትን ኣምላኽና፥ ካብ ላዕሊ ብርሃን በሪቑ ኽበፅሐና እዩ።
ብዛዕባ ወልድ ግና፥ “ኦ ኣምላኸይ፥ ዙፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፤ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ።
ጐይታና ኢየሱስ፥ ካብቲ ሙሴ ብዛዕባ ክህነት ክዛረብ እንተሎ ዘይተዛረበሉ፥ ካብ ዓሌት ይሁዳ ኸም ዝተወለደ ፍሉጥ እዩ።
ነዙይ ብዝበለፀ ዘረጋግፀልና፥ ቃል ነቢያትውን ኣለና። ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ፥ ኮኸብ ፅባሕ ኸዓ፥ ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወፅእ፥ ነዝ ቃል እዙይ፥ ከምቲ ኣብ ፀልማት ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሂልኩምሉ፥ ሰናይ ትገብሩ ኣለኹም።
ብመንገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፥ ምእንቲ ገንዘብ ብስሕተት በለዓም ስለ ዝወደቑ፥ ብኽሕደት ቆሬውን ስለ ዝዓመፁ፥ ጠፊኦም እዮም እሞ ወይለኦም!
እንሆ ንሱ ብደመና ኽመፅእ እዩ፤ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎውን ክሪእዎ እዮም፤ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ፥ ብእኡ ምኽንያት ክበኽዩ እዮም። እወ፤ ኣሜን።
እቲ ሻውዓይ መልኣኽውን፥ መለኸቱ ነፍሐ፤ ኣብ ሰማይ ከዓ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን፥ ናይቲ መሲሑን ኮይና እያ፤ ንዘለኣለመ ኣለምውን ክነግስ እዩ” ዝብል፥ ብርቱዕ ድምፂ ተሰምዐ።
“ኣነ ኢየሱስ፥ ነዝ ነገር እዙይ፥ ኣብተን ኣብያተ ክርስቲያናት ክምስክረልኩም ኢለ፥ መልኣኸይ ለኣኽኩ። ኣነ፥ ካብ ሱር ዳዊትን፥ ዘርኡን ዝኾንኩ እየ፤ እቲ ብሩህ ኮኸብ ፅባሕውን እየ” በለ።
ሳኦል ከዓ “ኣቱም ኣሕሉቕ ህዝቢ ዅልኹም ናብዙይ ቅረቡ፤ ሎሚ እዝ ሓጢኣት እዙይ ብምንታይ ከም ዝኾነ ድማ ፍለጡን ረኣዩን።