16 ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።
እቲ ኻህን ልዑል እግዚኣብሄር ዝኾነ መልከፄዴቅ ንጉስ ሳሌም ድማ እንጀራን ወይንን ኣምፅአ።
ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኮነ፥ እግዚኣብሄር ንኣብራም ተገለፀሉ። “ኣነ ኤልሻዳይ እየ። ኣብ ቅድመይ ተመላለስ፤ ፍፁም ከዓ ኹን።
ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል።
ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
ሽዑ በለዓም ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይ ድማ በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ አዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል፤
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል፤
ውህብቶ ትንቢት እንተ ሃለወኒ፥ ኵሉ ምስጢራትን ኵሉ ፍልጠትን እንተ ፈለጥኩ፥ እምባታት ክሳዕ ዘፍልስ ከዓ፥ ፍፁም እምነት እንተ ሃልዩኒ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ከንቱ እየ።
ብዛዕባ ንጣዖት ዝተሰውአ ግና፥ “ኵላትና ፍልጠት ከም ዘለና” ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ትዕቢት የሕድር፤ ፍቕሪ ግና ይሃንፅ።