15 ምስላኡ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “በለዓም ወዲ ቢዖር ከምዙይ ይብል፤ እቲ ኣዒንቱ ዝተኸፈታሉ ሰብ ከምዙይ ይብል።
ኢዮብ መሊሱ ብምስላ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረበ፦
ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ። “ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤ ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።
ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ፤ ከምዙይውን በለ፦ “ባላቅ ካብ ኣራም፥ ንጉስ ሞኣብ ካብ እምባታት ምብራቕ ኣምፅአኒ፤ ነዓ ‘ንያእቆብ ርገመለይ፤ ነዓ፥ ንእስራኤል ተበኣሰለይ’ በለኒ።
ናይቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝሰምዕ፥ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፥ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ራእይ ዝርኢ፥ እቲ ዝወደቐ ኣዒንቱውን ዝተኸፈታሉ ኸምዙይ ይብል።