14 ሕዚ ኸዓ እንሆ ናብ ህዝበይ እኸይድ ኣለኹ። ግና በዘን ዳሕረዎት መዓልቲታት እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ንህዝብኻ ዝገብሮ ነዓ ኽነግረካ” በሎ።
ያእቆብ ንደቁ ፀዊዑ፥ “በተን ዳሕረዎት ዘመናት ዘጋጥመኩም ክነግረኩምስ፥ ተኣከቡ” በሎም።
ብሓደ ኽእከቡ እዮም፤ እሱራት ኣብ ጕድጓድ ከም ዝእከቡ፥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኽዕፀዉ እዮም፤ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲታት ክጥየቑ እዮም።
ኣብተን ዳሕረዎት ዘመናት ግና፥ ንሞኣብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ሞኣብ ዝወርድ ፍርዲ ኽሳዕ እዙይ እዩ።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ንህዝቢ ዔላም ካብ ምርኮ ኽመልሶም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
እዝ ራእይ እዙይ ንኽፍፀም፥ ገና ብዙሕ ዘመን ስለ ዝተረፎ፥ ንቕድሚት ንዳሕረዋይ ዘመን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ዝኸውን ክገልፀልካ፥ ሕዚ ናባኻ መፂአ ኣለኹ” በለኒ።
ግና ምስጢር ዝገልፅ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኣሎ። ንሱ ነቲ ብዳሕረዋይ ዘመን ክኸውን ዘለዎ፥ ንንጉስ ናቡከደነፆር ገለፀልካ። እቲ ኣብ ዓራትካ ደቂስካ እንተለኻ ዝረአኻዮ ሕልምን ናይ ባዕልኻ ራእይን ከዓ እዙይ እዩ፦
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”
ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
ሽዑ በለዓም ተሲኡ ኸደ፤ ናብ ቦታኡ ኸዓ ተመለሰ። ባላቅውን ናብ መንገዱ ኸደ።
‘በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት፥ ከምዙይ ክኸውን እዩ ይብል እግዚኣብሄር፦ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሰብ፥ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፤ ኣወዳትኩምን ኣጓላትኩምን ክንበዩ፥ ኣጓብዝኩም ከዓ ራእይ ክሪኡ፥ ሽማግለታትኩምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም።
ኣብተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ግና፥ ዘጨንቅ ዘመን፥ ከም ዝመፅእ ፍለጥ።
ደቂ እስራኤል ከዓ ንበለዓም ጠንቋሊ ወዲ ቢዖር ምስቶም ካልኦት ኣብ ውግእ ዝቐተልዎም ብሰይፊ ቐተልዎ።
ነቲ ዝመፀካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። እንሆ ምእንቲ ኽትፍተኑ፥ ዲያብሎስ ንገሊኻትኩም፥ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብየኩም እዩ፤ ዓሰርተ መዓልቲ እውን መከራ ኽረኽበኩም እዩ። ንስኻ ግና፥ ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፤ ኣነውን፥ ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።
እንተ ኾነ፥ ብሓድሓደ ነገራት እነቕፈካ ኣለኹ። ትምህርቲ በለዓም ዝሰዓቡ ሰባት ኣለዉኻ። በለዓም፥ እቲ ንደቂ እስራኤል መፈንጠር ክገብረሎም ኢሉ፥ ንጣዖት ዝተሰውአ ኸም ዝበልዑን፥ ከም ዝዝምዉን ምእንቲ ኽገብር፥ ንባላቅ ዝመኸሮ እዩ።