12-13 በለዓም ከዓ ንባላቅ “ነቶም ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ ‘ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ ቓል እግዚኣብሄር ጥሒሰ፥ ፅቡቕ ኮነ ኽፉእ፥ ከም ድሌተይ ክገብር ኣይክእልን፤ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝዛረብ’ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን?
በለዓም ድማ ንልኡኻት ባላቅ “ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብንእሽተይ ኮነ ብዓቢዪ ኸፍርስ ኣይክእልን እየ።
በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።
ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”