Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 24:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 24:10
15 Referencias Cruzadas  

ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ።


ኵሉ ሰብ ብኢዱ የጣቕዐሉ፤ እናፋፀዩ ኸዓ ኻብ ቦታኡ የውፅእዎ።”


“ኣታ ወዲ ሰብ፥ ተነበ፤ በእዳውካ ኸዓ ኣጣቕዕ፤ ናይቶም ዝተቐትሉ ሰባት ሰይፊ ሰለስተ ጊዜ ይደጋግም፤ ዝኸቦም ናይቲ ዝተቐትለ ዓብዪ ሰብ ሰይፊ እዩ።


ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፥ ሕነ መዓተይውን ከምፅእ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣለኹ።”


“እንሆ እምበኣር በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕኽዮን፥ በቲ ኣብ ማእኸልኪ ዘፍሰስክዮ ደምን፥ ኢደይ ኣጣቓዕኹ።


‘እንሆ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ይኸድንዋ ኣለዉ። ሕዚ መፂእኻ ርገሞም፤ ምናልባሽ ክዋግኦምን ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ ኢሉካ’ ኢሎም ክነግሩኒ ዝለኣኸለይ ሰባት እዮም” በሎ።


ንኽብርኻ ኸዕብዮ እየ፤ እትብለኒ ዅሉ ኸዓ ኽገብር እየ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ።


ንሳቶም ካባይ ዝሕይሉ ህዝቢ ስለ ዝኾኑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መፂእኻ ርገሞም። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፥ ዝረገምካዮ ኸዓ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየሞ። ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ።


ባላቅ ድማ ንበለዓም “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ እንሆ ኸዓ፥ ፈፂምካ ባረኽካዮም” በሎ።


ሕዚ ድማ ናብ ገዛኻ ኺድ። ኣነ የመና ኸኽብረካ ኢለ ነይረ፤ እግዚኣብሄር ግና ኸይትኸብር ከልአካ።”


ከም ኣንበሳ ዓሪፉ ይድቅስ፤ ከም ዋዕሮ ድማ ተገዲሙ፤ ከተስኦ ዝደፍር መን እዩ? ንኣኻ ዝምርቕ ምሩቕ ይኹን፤ ንኣኻ ዝረግም ከዓ ርጉም ይኹን።”


እዝ ነገርዙይ ሰለስተ ጊዜ ኾነ፤ መሊሱ ድማ፥ ኵሉ ናብ ሰማይ ተስሓበ።


ምሉእ ዕድሜኹም ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለዩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos