9 ኣብ ርእሲ እምባታት ኮይነ እሪኦ፤ ኣብ ልዕሊ ዀረብታታት ኮይነውን እጥምቶ ኣለኹ። እንሆ፥ ንበይኑ ዝቕመጥ ህዝቢ፥ ካብ ህዝብታት ፍሉይ ዝኾነ ህዝቢ እዩ።
እዙይ ከዓ ንኣኣቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፥ ነቲ ቕዱስ ዘርኢ ኸዓ ምስ ኣህዛብ ምድሪ እዘን ሃገራት እዚኣተን ስለ ዝሓወሱ እዩ። ነዝ ዓመፃ እዙይ ዋናታት ዝኾኑውን እቶም መራሕቶምን ሹመኛታቶምን እዮም” በሉኒ።
ሃማ ድማ ንንጉስ ኣርጤክስስ “ኣብ ማእኸል እቶም ኣብ ኵለን ግዝኣትካ ዘለዉ ህዝብታት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ሓደ ፍሉይ ህዝቢ ኣሎ። ሕጎም ከዓ ኻብ ኵሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕግታት ንጉስ እውን ኣይእዘዙን እዮም። ስለዙይ ንጉስ ነዚኣቶም ሸለል ክትብሎም ኣይግባእን እዩ።
ንስኻ ምሳና እንተ ዘይኬድካ፥ ኣብ ቅድሜኻ ፀጋ ኸም ዝረኸብና፥ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገፅ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ፍሉያት ከም ዝኾንና ደኣ፥ ብምንታይ ክፍለጥ እዩ?” በሎ።
ኣታ ኣገልጋሊየይ ያእቆብ፥ ኣነ ምሳኻ እየሞ ኣይትፍራሕ፤ ይብል እግዚኣብሄር፤ ንዅሎም እቶም ናብኣቶም ፋሕ ዘበልኩኻ ኣህዛብ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም እየሞ፤ ንኣኻ ግና ፈፂመ ኣየጥፍአካን፤ ግቡእ ቅፅዓት እቐፅዐካ እምበር፥ ብዘይ ቅፅዓት ግና ኣይሓድገካን እየ።”
‘ተስኡ ነዞም መቺይዎምን ሃዲኦምን፥ ደገን መዓፁን መሸጐርን ኣብ ዘይብሎም፥ በይኖምውን ኣብ ዝነብሩ ህዝቢ ውፁ’ ይብል እግዚኣብሄር።”
“እንሆ፥ ኣነ ኽእዝዝ እየ፤ ንቤት እስራኤል ከዓ ኸምቲ እኽሊ ብመንፊት ዝንፈ፥ ኣብ ማእኸል ኵሎም ኣህዛብ ክነፍዮም እየ፤ ግናኸ ሓንቲ ፍረ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ።
ኣብ ማእኸል ዱር ቀርሜሎስ፥ ንበይናቶም ዝነብሩ ዘለዉ ህዝብኻ፥ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓስዮም። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን፥ ኣብ ባሳንን ኣብ ገለዓድን ጓስዮም።
“ ‘ስለዙይ ካብ ማእኸሎም ውፁ፤ ዝተፈለኹም ኩኑ’ ይብል እግዚኣብሄር። ‘ርኹስ ኣይትንክኡ፤ ኣነውን ክቕበለኩም እየ።
እቲ ልዑል ንህዝብታት ርስቲ ምስ ኣውረሶም፥ ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፥ ከም ቍፅሪ መላእኽቲ ወሰናት ህዝብታት መደበ።
እስራኤል ተኣማሚኑ ይነብር፤ እቲ በይኑ ዘሎ ዒላ ያእቆብውን፥ እኽልን ወይንን ኣብ ዘለዎ ምድሪ ይነብር፤ ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።
ንሱ ኻብ ኵሉ ሓጢኣት ሓራ ምእንቲ ኸውፅአና፥ ንሰናይ ግብሪ ዝቐንኡ፥ ንእኡ ዝኾንዎ ህዝቢ ምእንቲ ኸንፅህ፥ ንባዕሉ ቤዛና ኣሕሊፉ ሃበ።
ንስኻትኩም ግና፥ ናይቲ ኻብ ፀልማት፥ ናብቲ ዘገርም ብርሃኑ ዝፀውዐኩም፥ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትነግሩ ዝመረፀኩም፥ ሕሩይ ወለዶ፥ ናይ ንጉስ ካህናት፥ ቅዱስ ህዝቢ፥ ጥሪት እግዚኣብሄር ዝኾነ ህዝቢ ኢኹም።