Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 23:30 - መፅሓፍ ቅዱስ

30 ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 23:30
7 Referencias Cruzadas  

ኣቤሴሎም ድማ ነቲ ኣማኻሪ ዳዊት ዝነበረ ንበዓል ጊሎ ኣኪጦፌል ኣብ ከተማ ጊሎ መስዋእቲ ኣብ ዘቕርበሉ ጊዜ ፀውዖ። እቲ ሻራ ኸዓ በርትዐ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዘሎ ህዝቢ ድማ እናበዝሐ ኸደ።


እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ ኻብ ከፍቲ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ይኹን፤ ኣነ ምእንቲ ኽቕበሎ ኸዓ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን የቕርቦ።


ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በለዓምን ናብቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹመኛታትን ስጋ ሰደደ።


በለዓም ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ኣዳልወለይ” በሎ።


ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ።


በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ።


በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos