3 በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።
ኣብርሃም ድማ ግልፅ እንተበለ፥ እንሆ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሃረግ ዝተትሓዘ በጊዕ ረአየ። ከይዱ ድማ ነቲ በጊዕ ወሲዱ፥ ክንዲ ወዱ ይስሓቅ ንዝቃፀል መስዋእቲ ሰውኦ።
እግዚኣብሄር ድማ “ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሓቅ ሒዝካ፥ ናብ ምድሪ ሞሪያ ኺድ፤ ኣብኣ ድማ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ እምባታት ኣብ ሓደ፥ መስዋእቲ ጌርካ ሰውአለይ” በሎ።
ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፤ ካብ ንፁህ እንስሳን ካብ ኵሎም ንፁሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸዓ፥ ዝቃፀል መስዋእቲ ኣብቲ መሰውኢ ኣቕረበ።
ድሕሪዙይ ሓሙ ሙሴ ዮቶር፥ ዝቃፀል መስዋእትን፥ መስዋእቲ ሕሩድን ንእግዚኣብሄር ወሰደ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ከዓ ምስ ሓሙ ሙሴ ኾይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጀራ ኽበልዑ መፁ።
እግዚኣብሄር ንሙሴ ፀውዖ፤ ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን ኮይኑ ድማ ኸምዙይ በሎ፦
በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።
ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ።
በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንበለዓም ተራኸቦ፤ በለዓም ድማ “ሸውዓተ መሰውኢ ኣሰናድየ፤ ኣብ መመሰውኢ ኸዓ ዝራብዕን ማጕላን ሰዊአ ኣለኹ” በሎ።
በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን።
መሊሱ ዲያብሎስ የመና ነዊሕ ናብ ዝኾነ እምባ ወሲዱ፥ መንግስታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥
ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ንሱስ ደጋጊሙ ደኣ ባረኸኩም፤ ካብ ኢድ ባላቅውን ኣድሓንኩኹም።