29 በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ።
ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝፆሩ ሌዋውያን፥ እግዚኣብሄር ምስ ሓገዞም ሸውዓተ ኣዕሩሕን ሸውዓተ ማጓሉን ሰውኡ።
ባላቅ ድማ ንበለዓም፥ ንምድረ በዳ ኣቢሉ ናብ ዘመልክት ናብ ርእሲ እምባ ፌጎር ወሰዶ።
ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።