26 በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።
ሚክያስ ግና “እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በሎ።
ሚክያስ ግና “እቲ ኣምላኸይ ዝበለኒ ኸም ዝዛረብ ብህያው እግዚኣብሄር እምሕል ኣለኹ” በለ።
በለዓም ድማ ንልኡኻት ባላቅ “ባላቅ ገዛ ምሉእ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ እኳ፥ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብንእሽተይ ኮነ ብዓቢዪ ኸፍርስ ኣይክእልን እየ።
በለዓም ከዓ ንባላቅ “እንሆ፥ ናባኻ መፂአ ኣለኹ፤ እንተ ኾነ ሓደ ነገር ክዛረብ ኣይክእልን እየ፤ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል እየ ዝዛረብ” በሎ።
በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ።
ባላቅ ድማ ንበለዓም “ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፥ ምናልባሽ እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፥ ኣብኣ ዄንኻ ኽትረግመለይ በይዛኻ ነዓ” በሎ።
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።
ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፥ ከምዙይ ኢሎም መለሱሎም፦ “ካብ ንሰብስ፥ ንእግዚኣብሄር ክንእዘዝ እዩ ዝግባእ።