25 ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ።
እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤ ከም ኣንበሳ ይለዓል፤ ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥ ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”
በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።