24 እንሆ ህዝቢ እስራኤል ከም ዋዕሮ ይትስእ፤ ከም ኣንበሳ ይለዓል፤ ዝሃደኖ ኽሳዕ ዝበልዕ፥ ደም እቶም ቅቱላቱ ከዓ ኽሳዕ ዝሰቲ፥ ኣይድቅስን።”
“ብንያም መንጣሊ ተዅላ እዩ፤ ንግሆ ዝመንጠሎ ይበልዕ፤ ምሸት ከዓ ዝማረኾ የካፍል።”
ኦ ይሁዳ፥ ሽደን ኣንበሳ ኢኻ፤ ወደይ፥ ካብ ግዳይካ ተመለስካ፤ ከም ኣንበሳ ኣድበኻ፤ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳውን ለጥ በልካ፤ ከተስአካ ዝደፍር መን እዩ?
ብኽልተ ወገኑ ነቲ ሽዱሽተ መደያይቦ ድማ፥ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣናብስ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዙይ ዝበለ ኣብ ኵለን መንግስታት ኣይተገብረን።
እቲ ዙፋን ከዓ ሽዱሽተ መደያይቦን ብወርቂ ዝተሰርሐ ሓደ ናይ እግሪ ድኳ ምስቲ ዙፋን ዝለገበ ነበሮ፤ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዙይን በቱይን መደገፊ ኣእዳው ነበሮ፤ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳዉ ኸዓ ምስሊ ኽልተ ኣናብስ ቆይሞም ነበሩ።
ንሱ ምምንዛዕ ከም ዝሃርፍ ኣንበሳ፥ ከምቲ ብሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ እዩ።
ደቦል ኣንበሳ ኻብ ኵሉ እንስሳ ዝበርትዐ፥ ዘይምለስ፥ ንእንስሳውን ዘይፈርሕ፥
እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፦ “ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን፥ ብግዳዩ እንትጓዝም፥ ብዙሓት ጓሶት እኳ ተፀዋዊዖም እንተ መፅዎ፥ ብድምፆም ከም ዘይድንግፅ፥ ዋጭ ዋጭ ብምባሎም ከም ዘይፈርሕን፥ ከምኡ ኸዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ ኣብ እምባ ፅዮንን ኣብ ኰረብታኣን፥ ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?
እታ ሽደናት ዝበልዑላ፥ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራዅር ኣንበሳን ድማ፥ መፍርሒ ዘይብሎም ዝዛውኑላ ዝነበረት፥ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣላ?
ኣንበሳ ንዀራዅሩ ዝኣኽሎም መንዝዐ፤ ንዋዕሮታቱውን ሰባበረለን፤ በዓትታቱ ብግዳዩ፥ ንጕድጓዱ ኸዓ ብዝዘረፎ መልአ።
“በታ መዓልቲ እቲኣ፥ ኣነ ነሕሉቕ ይሁዳ፥ ኣብ ማእኸል ዱር ከም ዝነድድ ሓዊ፥ ኣብ ማእኸል እንዳእቲ ኸዓ፥ ከም ሃልሃልታ ሓዊ ኽገብሮም እየ። ነቶም ብየማነ ፀጋም ዘለዉ ዅላቶም ኣህዛብ ከዓ፥ ክበልዕዎም እዮም፤ ብድሕሪኡ ኢየሩሳሌም ኣብ ስፍራኣ ንሓዋሩ መንበሪ ኽትከውን እያ።
ሽዑ ባላቅ ንበለዓም “ምርጋም ኣይትርገሞም፤ ምምራቕ ከዓ ኣይትመርቆም” በሎ።
ሕዚ ደኣ ኣይኮነን እምበር እሪኦ ኣለኹ፤ ቀረባ ደኣ ኣይኮነን እምበር እጥምቶ ኣለኹ። ካብ ያእቆብ ኮኸብ ክወፅእ፥ ካብ እስራኤል ከዓ በትሪ ኽትስእ እዩ። ንሱ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ክወቕዖም፥ ንዅሎም ደቂ ሴት ከዓ ኸጥፍኦም እዩ።
ብዛዕባ ጋድ ከምዙይ በለ፦ “እቲ ንጋድ ምድሩ ዘስፍሐ ቡሩኽ ይኹን፤ ጋድ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ዓሪፉ፤ ቅልፅምን ርእስን ይሰብር።
ሓደ ኻብቶም ኣሕሉቕ ድማ፥ “ኣይትብከ፤ እንሆ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ፥ ዘርኢ ዳዊት ዝኾነ ኣንበሳ፥ ነቲ መፅሓፍን ነቲ ሸውዓተ ማሕተማቱን ክኸፍቶ፥ ስዒሩ ኣሎ” በለኒ።