2 ባላቅ ከምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ ክልቲኦም ድማ ኣብ ኵለን እተን መሰውኢታት ሓድሓደ ዝራብዕን ሓድሓደ ማጕላን ሰውኡ።
በዘን ሸውዓተ መዓልቲ በዓል ድማ፥ ጕድለት ዘይብሎም ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን፥ ኣብ ፀፅባሕ እዘን ሸውዓተ መዓልቲ፥ ንእግዚኣብሄር ዝቃፀል መስዋእቲ፥ ኣብ ፀፅባሕ ከዓ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዲበላ ኸቕርብ እዩ።
በለዓም ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ኣዳልወለይ” በሎ።
ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ።
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።
ባላቅ ድማ ኸምቲ በለዓም ዝበሎ ገበረ፤ በብመሰውኢ ኸዓ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።