18 ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ። “ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤ ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።
በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ሓሰት ከይዛረብ ሰብ ኣይኮነን፤ ከይናሳሕ ከዓ ወዲ ሰብ ኣይኮነን፤ ንሱ ነቲ ዝበሎ ኣይገብሮንዶ? ነቲ ዝተዛረቦኸ ኣይፍፅሞንዶ?
ናዖድውን ናብኡ ቐረበ፤ ንሱ ኸዓ ኣብ ሰገነት ንበይኑ ተቐሚጡ ነበረ። ናዖድ ድማ “ንኣኻ ዝነግረካ ናይ እግዚኣብሄር መልእኽቲ ኣለኒ” በሎ። እቲ ንጉስ ከዓ ኻብ ዙፋኑ ተስአ።