17 በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
ድሕሪዙይ ንጉስ ሴዴቅያስ ልኢኹ ናብ ቤተ መንግስቲ ኣምፅኦ፤ ንበይኑ ወሲዱ ድማ ብሕቡእ “ብሓቂዶ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ቓል ኣለካ እዩ?” ኢሉ ጠየቖ። ኤርሚያስ ከዓ “እወ፥ ኣሎ። ንስኻ ናብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ሓሊፍካ ኽትወሃብ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
ሽዑ በለዓም ምስላ ኽምስል ጀመረ ኸምዙይ ድማ በለ። “ባላቅ፥ ተስእ፥ ስማዕ፤ ኣታ ወዲ ሴፎር፥ ናባይ ፅን በል።
በለዓም ግና ንባላቅ “ኵሉ እግዚኣብሄር ዝብለኒ እየ ዝገብር ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን?” ኢሉ መለሰሉ።
ኤሊ ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ዝተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ? በይዛኻ ኣይትሕብአኒ። ካብቲ ዅሉ ዝተዛረበካ ሓደ እኳ እንተ ሓቢእኻለይ፥ ኣምላኽ ብብርቱዕ ይቕፃዕኻ” በሎ።