16 እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
እግዚኣብሄር ድማ ብለይቲ ናብ በለዓም መፂኡ፥ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ክፅውዑኻ ኻብ መፁ ምስኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ግበር” በሎ።
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም “ምስ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኪድ፤ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራሕ ደኣ ተዛረብ” በሎ። በለዓም ከዓ ምስቶም ሹመኛታት ባላቅ ከደ።
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።
በለዓም ናብ ባላቅ ምስ ተመለሰ፥ እንሆ ምስ ሹመኛታት ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝቃፀል መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ። ባላቅ ድማ “እግዚኣብሄር እንታይ በለካ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍ በለዓም፥ ቃል ገበረሞ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ በል” በሎ።
በለዓም ድማ ንደቂ እስራኤል ክባርኾም፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ከም ዝኾነ ምስ ረአየ፥ ገፁ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ መለሰ እምበር ከምተን ቀዳሞት ጊዜያት ኣስማት ክደሊ ኣይከደን።
ከማኻ ዝበለ ነቢይ ኻብ ማእኸል ኣሕዋቶም ከተስአሎም እየ፤ ቃለይ ኣብ ኣፉ ኽገብር እየ፤ ኵሉ ዝኣዘዝክዎ ድማ ኽነግሮም እዩ።