15 በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።
ንሱ ድማ “ሎሚ ለይቲ ኣብዙይ ሕደሩ፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነግረኒ ነገር ከዓ ምላሽ ክህበኩም እየ” በሎም። ሹመኛታት ሞኣብ ድማ ምስ በለዓም ሓደሩ።
ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።
እግዚኣብሄር ድማ ንበለዓም ተራኸቦ፤ ቃል ከዓ ኣብ ኣፉ ኣንቢሩ “ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዙይ ኢልካ ተዛረቦ በሎ”።
በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል፤ ኣነ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ መፀ፥ ክኸይድ እየ፤ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከዓ ኽነግረካ እየ” በሎ። ናብ ሓደ ዀረብታ ድማ ኸደ።
ኣነ ግና ንበለዓም ክሰምዖ ኣይደለኹን፤ ስለዙይ ንሱስ ደጋጊሙ ደኣ ባረኸኩም፤ ካብ ኢድ ባላቅውን ኣድሓንኩኹም።