Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 23:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14 ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 23:14
11 Referencias Cruzadas  

ወርቂ ካብ ከረጢት ይዝርግፉ፤ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፤ ምስ ኣንጠረኛ ይወዓዓሉ፤ ንሱውን ኣምላኽ ገይሩ ይሰርሐሎም፤ ንሳቶም ከዓ ይሰግዱሉን የምልኽዎን።


ኣብ ገለዓድ ሓጢኣት ኣሎ፤ ብርግፅውን ከንቱ እዮም፤ ኣብ ጌልገላ ዝራብዓት ይስውኡ፤ እቶም መሰውኢታቶም ድማ፥ ኣብ ነግሒ ግራት ከም ዝተዀመረ ኣእማን ክኾኑ እዮም።”


ካብ ባሞት ከዓ ናብቲ ናብ ምድረ በዳ ኣቢሉ ዝርኢ ርእሲ እምባ ፊስጋ፥ ናብ በረኻ ሞኣብ ዘሎ ለሰ ተጕዓዙ።


ባላቅ ድማ “በይዛኻ፥ ኣብኣ ዄንካ ኽትሪኦምስ፥ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ክፋል ናይቶም ህዝቢ ኢኻ እትርኢ እምበር ንዅሎም እኳ ኣይትሪኦምን ኢኻ፤ ኣብኡ ዄንካ ንኣኣቶም ርገመለይ” በሎ።


በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣነ ንእግዚኣብሄር ክራኸቦ ክኸይድ እየ እሞ ንስኻ ኣብ ጥቓ እዝ ዝቃፀል መስዋእትኻ ደው በል” በሎ።


በለዓም ድማ ንባላቅ “ኣብዙይ ሸውዓተ መሰውኢታት ስርሐለይ፤ ሸውዓተ ዝራብዓትን ሸውዓተ ማጓሉን ከዓ ኣዳልወለይ” በሎ።


ንፈለግ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፥ ናብ ርእሲ ፈስጋ ደይብ፤ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸዓ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ጠምት።


ሙሴ ድማ ኻብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ እምባ ናባው፥ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንፅር ኢያሪኮ ዘሎ ፈስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከዓ ንዅላ ሃገር ገለዓድ፥ ክሳዕ ከተማ ዳን ኣርኣዮ።


ከምኡ እውን ኣብ ኵሉ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፥ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጎቦታት ፈስጋ ዘሎ ጐልጐል ባሕሪ ድማ ሓዙ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos