Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ዘሑልቍ 23:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ባላቅ ድማ “በይዛኻ፥ ኣብኣ ዄንካ ኽትሪኦምስ፥ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ክፋል ናይቶም ህዝቢ ኢኻ እትርኢ እምበር ንዅሎም እኳ ኣይትሪኦምን ኢኻ፤ ኣብኡ ዄንካ ንኣኣቶም ርገመለይ” በሎ።

Ver Capítulo Copiar




ዘሑልቍ 23:13
10 Referencias Cruzadas  

ሹመኛታት ወልደ ኣዴር ንጉስ ሶርያ ድማ “ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ እምባ ስለ ዝኾኑ እዮም ዝበርትዑና። ኣብ ጐልጐል ኴንና እንተ ተዋጊእናዮም ግና ብርግፅ ክንስዕሮም ኢና” በልዎ።


ሽዑ እቲ ናይ እግዝኣብሔር ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፥ “እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ‘እቶም ሶርያውያን፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እምባ እዩ እምበር፥ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኮነን’ ስለ ዝበሉ፥ ነዝ ዓብዪ ሰራዊት እዙይ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ኽህበካ እየ፤ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝኾንኩ ኸዓ ኽትፈልጡ ኢኹም” ኢሉ ተዛረቦ።


ንመርገም ፈተዋ፤ ናብኡ ድማ መፀት፤ ንበረኸት ኣይመረፃን፤ ካብኡ ድማ ረሓቐት።


ኣታ ህዝበይ ፅድቂ እግዚኣብሄር ንኽትፈልጥ፥ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፥ በለዓም ወዲ ቢዖር ከዓ ዝመለሰሉ፥ ነቲ ኻብ ለሰ ሸጢም ክሳዕ ጌልገላ ዝኾነ ዘክር።”


ንፅባሒቱ ባላቅ ንበለዓም ወሲዱ ናብ ባሞት በዓል ኣደየቦ፤ ኣብኡ ኾይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረአየ።


ንሳቶም ካባይ ዝሕይሉ ህዝቢ ስለ ዝኾኑ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም መፂእኻ ርገሞም። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፥ ዝረገምካዮ ኸዓ ርጉም ከም ዝኾነ እፈልጥ እየሞ። ስለዙይ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ” በሎ።


በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።


ናብ ርእሲ እታ ኣብ ጐልጐል ፆፊም ዘላ እምባ ፈስጋ ድማ ወሰዶ፤ ሸውዓተ መሰውኢታትውን ሰርሐ፤ ኣብ በብመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ማጕላን ሰውአ።


ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ሴፎር፥ ንጉስ ሞኣብ፥ ተሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፤ ንበለዓም ወዲ ቢዖር ድማ፥ ምእንቲ ኽረግመኩም ልኢኹ ፀውዖ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos