11 ባላቅ ድማ ንበለዓም “እንታይ ኢኻ ዝገበርካኒ? ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ እንሆ ኸዓ፥ ፈፂምካ ባረኽካዮም” በሎ።
ደቂ እስራኤል ካብ ግብፂ ኽወፁ እንተለዉ እንጀራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን፤ እኳ ደኣ ንእስራኤል ክረግመሎም ንበለዓም ዓደግዎ። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ናብ በረኸት ለወጦ።
‘እንሆ ኻብ ግብፂ ዝወፁ ህዝቢ ንገፅ ምድሪ ይኸድንዋ ኣለዉ። ሕዚ መፂእኻ ርገሞም፤ ምናልባሽ ክዋግኦምን ከውፅኦምን እኽእል እኸውን እየ ኢሉካ’ ኢሎም ክነግሩኒ ዝለኣኸለይ ሰባት እዮም” በሎ።
ንኽብርኻ ኸዕብዮ እየ፤ እትብለኒ ዅሉ ኸዓ ኽገብር እየ እሞ፥ በይዛኻ ነዓ፤ ነዝ ህዝቢ እዙይ ርገመለይ’ ይብል ኣሎ” በልዎ።
በለዓም ድማ “እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዝገበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብአንን እዩ?” ኢሉ መለሰሉ።
ሽዑ ባላቅ የመና ተቘጥዐ፤ ኣእዳዉ ጨብ ጨብ ኣቢሉ ድማ ንበለዓም ከምዙይ በሎ፦ “ኣነ ንፀላእተይ ክትረግሞም ፀዋዕኹኻ፤ ንስኻ ግና፥ እንሆ ሰለስተ ሻዕ መረቕካዮም።