10 ነቶም ከም ሓመድ ብዙሓት ዝኾኑ ደቂ ያእቆብ መን ክቘፅሮም ይኽእል? ንርብዒ እስራኤልከ መን ይቘፅሮ? ኣነ፥ ሞት ፃድቕ እሙት፤ መወዳእታይ ከዓ ኸም ናቱ ትኹን።”
ንዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ምድሪ ኸብዝሖ እየ። ሑፃ ምድሪ ኽቘፅር ዝኽእል ሰብ እንተልዩ፥ ዘርእኻውን ክቝፀር እዩ።
ፈፂመ ኽባርኸካ እየ፤ ንዘርእኻ ድማ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይን፥ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑፃን፥ ከብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ኣፍ ደገ ፀላእቶም ክወርሱ እዮም።
ዘርእኻ ድማ ኸም ሑፃ ባሕሪ ኽበዝሕ እዩ፤ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ እውን ብኣኻን ብዘርእኻን ክባረኹ እዮም።
ሞት ፃድቕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡር እዩ።
ንቕንዕና ሓሉ፤ ንፅድቂውን ረአ፤ ነቲ ናይ ሰላም ሰብ፥ ተረፍ ኣለዎሞ።
ሓጥእ ብኽፍኣቱ ይግምጠል፤ ፃድቕ ግና እንተ ሞተ እኳ መዕቘቢ ኣለዎ።
እቶም ኣብ ሰፈር ሮቤል ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
እቶም ኣብ ሰፈር ኤፍሬም ዝተቘፀሩ ዅሎም በብሰራዊቶም ሚእትን ሸሞንተን ሽሕን ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ኾይኖም ይጐዓዙ።
እቶም ኣብ ሰፈር ዳን ዝተቘፀሩ ዅሎም ሚእትን ሓምሳን ሸውዓተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኮይኖም ይጐዓዙ።
ኵላቶም ካብ ሰፈር ይሁዳ ዝተቘፀሩ በብሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሽዱሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።
ምስኣቶም ከዓ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ምድያም፥ ንኤዊን ሬቄምን ፁርን ሑርን ሬባዕን ቀተልዎም። ንበለዓም ወዲ ቢዖርውን ብሰይፊ ቐተልዎ።
እዛ ድንኳን ዝኾነት፥ ምድራዊት መንበሪትና እንተ ፈረሰት እኳ፥ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐት፥ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነት ናይ ዘለኣለም ቤት፥ ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና ንፈልጥ ኢና።
ካብ ሰማይ ከዓ፥ “እቶም ካብ ሕዚ ንደሓር፥ ብጐይታ ኢየሱስ ኣሚኖም ዝሞቱ፥ ብፁኣን እዮም፤ ኢልካ ፀሓፍ” ዝብለኒ ድምፂ ሰማዕኹ። መንፈስ ቅዱስ ከዓ “እወ፥ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፥ ካብ ፃዕሮም ክዓርፉ እዮም” በለ።